Caregiver reads a story to young child on potty

መምርሒ ስልጠና ባዞ

ንውሉድኩም መዓዝን ብኸመይን አጠቓቕማ ባዞ ከም እተሰልጥንዎ ዝሕብር ሓድሽ ብመንግስቲ ዝድገፍ መምርሒ

ነቲ መምርሒ ኣውርዶ
Row wavy Shape Decorative svg added to top

ናይ ባዞ ስልጠና ኣብ ዕቤት ውሉድኩም ኣገዳሲ ምዕራፍ እዩ። ኵሎም ቆልዑ ብናባእሎም ፍጥነት ከምዝዓብዩ ንፈልጥ እኳ እንተዀንና፣ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ግን ካብ 18 ክሳዕ 30 ወርሒ ኣብ ዘሎ እዋን ከም እንደገና ኽትጥቀመሉ ዝከኣል ጨርቂ ሽንቲ፣ መጐልበቢ ከምኡውን ናይ ስልጠና ስረን ምጥቃም ጠጠው ምባል ንጥዕና መዓናጡን ፊኛን ዝሓሸ እዩ።

ቆልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ናይ ምቕባል ምጅማር ዓመት ካብ ኵሉ ጨርቂ ሽንቲ ኽወጹ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ። እቲ እንኮ ፍልይ ዝበለ ነገር ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልዮም፣ ከም ኹነታት ፊኛ ወይ ኣምዑት ዝኣመሰለ፣ ዘለዎም ቆልዑ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።

ካብ ሽንት ጨርቂ ምውጻእ ንቆልዑ ርእሰ-ምትእምማን፣ ጥዕናን ክፍሊ ናይቲ ጕጅለ ከምዝኾኑ ንኽስምዖም ይሕግዝ ጥራይ ዘይኰነስ፣ መምህራን ንምዕባለ ቆልዑ ብኻልእ መገድታት ንምምሃርን ንምድጋፍ ዝያዳ ግዜ ከሕልፉ ይኽእሉ ማለት እዩ።

ብምትሕብባር ዝተፈጠረ ብ

መዓዝ ከምዝጅምር ብኸመይ ይፈልጥ?

ዳርጋ ዅሎም ቆልዑ ብግቡእ ደገፍ ጽሩይን ንቑጽን ኪዀኑ ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም፣ እንተላይ ፍሉይ ትምህርታዊ ድሌትን ስንክልና ዘለዎምን ቆልዑ (SEND)። ናይ ህዋሳት ድሌታት ዘለዎም ቆልዑ ተወሳኺ ግዜን ደገፍን የድልዮም ይኸውን።

ናይ ባዞ ስልጠና ከም ናይ ሓደ ግዜ ፍጻመ ዘይኰነስ ከም መስርሕ ክርአ ኣለዎ። እዚ ድህሪ ግዜ እዩ ዝኸውን ከምኡውን ቆልዑ ድማ ብርእሶም ኮፍ ክብሉ ኻብ ዝኽእሉሉ እዋን ኣትሒዞም ኣብ ባዞ ወይ ሽቓቕ ኮፍ ክብሉ ይኽእሉ እዮም።

መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ካብ 18 ኽሳዕ 30 ወርሒ ኣብ ዘሎ እዋን ጨርቂ ሽንቲ ምጥቃም ምቁራጽ ንጥዕና መዓናጡን ፊኛን ጽቡቅ እዩ። ህጻንኩም ወይ ውሉድኩም ዋላ SEND እንተሃልይዎ እውን፣ ናይ ሽቓቕ ስልጠና ንምጅማር ምጽባይ ኣየድልየኩምን እዩ።

ናይ ሽቓቕ ስልጠና ብዛዕባ ክእለታት ምምሃር እዩ፣ እዚኦም ድማ ብተወሳኺ ሓገዝ ን/ወይ ብንጹር ልማድ ክትመሃሮም ትኽእል እዮም። ንነዊሕ እዋን ብእተጸበኹም መጠን፣ ውሉድኩም ነቲ ሓድሽ ልማድ ንክመሃርን ብዘይ ጨርቂ ሽንቲ ዓርሰ ምትእምማን ንኽስምዖን ይኸብዶ።

ገሊኦም ቆልዑ ናፕሲ ምጥቃም ዘቋርጹሉ ግቡእ ግዜ ምዃኑ ዝሕብር ምልክታት የርእዩ እዮም። ንኣብነት፣ መዓዝ ከምዝሸኑ ኽፈልጡን ኽነግሩኹምን ይኽእሉ እዮም፣ እቲ ኣብ መንጎ ዝሸንሉ ግዜታት ዘሎ ክፍተት ከኣ እንተ ወሓደ ሓደ ሰዓት ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ብዙሓት ቆልዑ ንጹር ምልክታት ኣየርእዩን እዮም ከምኡውን መብዛሕትኦም ከኣ ጨርቂ ሽንቲ ምግባር ኸቋርጹ ኣይሓትቱን እዮም፣ ብፍላይ ንቑጽ ኰይኑ ኸም ዝስምዖም ዝተገብሩ ናይ ሃደ ግዜ ጨርቂ ሽንቲ ወይ መጎተት ዝኽደኑ እንተ ዀይኖም።

ውሉድኩም ድርቀት ከብዲ ከምዘይብሉ ኣረጋግጹ – ኣዘውቲሮም (እንተ ወሓደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ) ልስሉስ ሰገራ ኽኣለዎም። ውላድኩም ሕማም ድርቀት ክህልዎ ይኽእል እዩ ኢልኩም ትሓስቡ እንተኾይንኩም፣ ቅድሚ ጨርቂ ሽንቲ ምቑራጽኩም ኣብዚ መዳይ እዚ ሓገዝ ክትረኽቡ ኣገዳሲ እዩ።

Child in wheelchair looking at toilet with parent

ትፈልጡዶ?

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት
£
ብሪጣንያውያን ስድራ ቤታት ኣብ ጨርቂ ሽንትን መጽረጊያታትን ጥራይ ይጠፍእ ኣቐዲምካ ናይ ባዞ ስልጠና ምግባር ካብዚ ዅሉ የድሕነኩም።
ኣስታት
ቢልዮን
ዝዀኑ ሽንቲ ጨርቅታት ኣብ መዕቈቢ ጐሓፍ ዩናይትድ ኪንግደም ይወድቁ - ነፍሲ ወከፎም ንኽበስበስ ክሳዕ 500 ዓመት ኽወስድ ይኽእል እዩ።
ልዕሊ
£ሚልዮን ፓውንድ
ብከባብያዊ ምምህዳራት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ምውጋድ ሽንቲ ጨርቅታት ይጠፍእ። ናይ ባዞ ስልጠና ንኣከባብያዊ ጽልዋ ንምቕናስ ይሕግዝ።

ምድላው

Section-Line_Green

ንብዙሓት ቆልዑ፣ ነቲ ባዞ ምሉእ ብምሉእ ሓሊፎም ኣብ ክንዳኡስ ሽቓቕ ኣብ ምጥቃም (ግቡእ ኮፍ መበሊ፣ ደረጃን መትሃዝን ዘለዎ) ምትኳር ሓጋዚ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ቆልዓ ሽቓቕ ንምጥቃም ከባቢ እቲ ሽቓቕ ከም ዝለምዶ ንምግባር ጥራይ ዘይኰነስ፣ ካብ ባዞ ናብ ሽቓቕ ናይ ምኻድ ድሌት ብምውጋድ ተወሳኺ መሰጋገሪ ስጕምቲ ንምውጋድ እውን ይሕግዝ።

እንተዀነ ግን ብባዞ ኽትጅምሩ ወይ ብቀጥታ ናብ ሽቓቕ ኽትከዱ እንተ መሪጽኩም፣ ውሉድኩም ሽንት ጨርቂ ምኽዳን ንኸቋርጽ ንምሕጋዝ ክትገብርዎም እትኽእልዎም ብዙሕ ነገራት ኣለዉ። ውሉድኩም ብዘይ ሓገዝ ኮፍ ምባል ምስከአለ ቀልጢፍኩም ኽትዳለዉ ትኽእሉ ኢኹም።

1. እቲ ጨርቂ ሽንቲ ምስ ጠልቀየ ወይ ምስ ረከሰ ቐልጢፍኩም ቐይርዎ
እዚ ኸኣ ንውሉድኩም ጽሩይን ንቑጽን ክኸውን ጥዑይ ምዃኑ የምህሮ። ትኽእሉ እንተኾይንኩም፣ ነቲ ጨርቂ ሽንቲ ኣብ ሽቓቕ ቀይርዎ፣ እዚ ኸኣ ሽንትን ሰገራን ምስ ሽቓቕ ንኸተሓሕዝዎ ይሕግዞም።

2. ንውሉድኩም ገለ ኻብቲ ዝርከብ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ባዞ ምስ
ውሉድኩም ብምንባብ፣ ነቲ ዚፈትውዎ ባምቡላ ወይ መጻወቲ 'ተራ' ንኽገብር ብምሕጋዝ ድሕሪኡ ባዕሎም ኮፍ ክብሉ ብምትብባዕ ምስ ባዞ ወይ ሽቓቕ ኣፋለጥዎም።

3. ስሩዕ ናይ ባዞ ወይ ሽቓቕ ኮፍ ምባል ስልጠና ሓንሳእ ናብ ባዞ ወይ
ሽቓቕ ምስ ተፋለጡ ክጅመር ይከአል፣ እዚ ድማ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ክሃንጹ ብምግባር እዩ

4. ጥዑይ ኣመጋግባን ፈሳሲ ምውሳድን ኣተባብዑ
ንውሉድኩም ንባዞ ስልጠና ከቢድ ኽገብሮ ዝኽእል ድርቀት ንምውጋድ ዝሕግዝ ፋይበር (አብነት ፍረታት፣ ኣሕምልትን ቡናዊ እንጀራን፣ዳቦ) ዘጠቓልል ኣመጋግባ ሃቡ።

5. ኣብ መዓልቲ ብማዕረ ዝዝርጋሕ ካብ 6-8 ዝኾን መስተታት
ብዝመቓቐል ብዙሕ ማይ ስተዩ። ምግቢ ኽጅምሩ ከለዉ፣ ኣብ ኩባያ ማይ ሃብዎም።

Child sitting on toilet cuddling a toy

ናይ ጉጅለ ጻዕሪ እዩ

ውሉድኩም ድሮ ኣብ መዋእለ ሕጻናት፣ ቅድመ ቤት ትምህርቲ፣ ምስ ኣላዪ ሕጻናት ወይ ከኣ ብእኖሓጎታትን አቦሓጎታትን፣ ፈተውት ወይ ካልኦት ስድራቤት ኣዘውቲሩ ክትትል ዝግበረሉ እንተዀይኑ፣ ምሳታቶም ተዘራረቡ እሞ ንጕዕዞ ናይ ባዞ ስልጠና ንምድጋፍ ብኸመይ ብሓባር ከም እትዓዪ ተመያየጠሉ።

ኩላትኩም ክትወስድዎ እትኽእሉ ስጕምትታት ተሰማምዑ እሞ ንዓኹምን ንደቅኹምን ክድግፉኹም ድማ ሕተቶም። ብዙሕ መተካእታ ኽዳውንቲ አቕርቡ ከምኡውን ውሉድካኩም ባዞ ወይ ሽቓቕ ኽጥቀም ከምዘድልዮ ዝሕብር ዝዀነ ይኹን ዘስተውዓልኩምዎ ምልክታት ድማ ንገርዎም። እዚ ወጥነት እዚ ውሉድኩም ብቕልጡፍ ንኽመሃር ክሕግዞም እዩ።

እንታይ የድልየኒ?

  • ናይ ባዞ (ወይ ካብ ሓደ ዝበዝሕ) ን/ወይ ናይ ሽቓቕ ስልጠና ኮፍ መበሊ ከምኡውን ኣእጋሮም ንምድጋፍ ሓደ መደያይቦ ደረጃ። እቲ መደያይቦ ኣብ ሽቓቕ ኮፍ ኽብል ከሎ ሃፍ ዝበለ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኣብራኽ እቲ ቆልዓ ኻብ ምሕኵልቱ ልዕል ንኽብል።
  • ስረ ወይ እንደገና ኽትጥቀመሉ ዝኽእል ጨርቂ ስረ ስልጠና።

ብሉጽ ምኽርታት

  • ኣብ መሕጸቢ ነብሲ ኣብ ባይታ ደው ኢልኩም (ውሉድኩም ብርእሱ ደው ክብል ምስ ከኣለ) ጨርቂ ሽንቲ ቐይሩሉ ኣብቲ መስርሕ ድማ አሳትፍዎም (ንኣብነት ሰገራ ምሕጻብ/ማይ ምድፋእ፣ ኢድ ምሕጻብ፣ ስረን መጎተትን ምድፋእን ንድሕሪት ምስሓብን)።
  • ስሩዕ ጨርቂ ሽንቲ ዘይብሉ ግዜ ሃቡ። ብዘይ ሓደጋ፣ ካብ ጨርቂ ሽንቲ ናጻ ብናይ ምዃን ስምዒት ምእንቲ ኽሕጎሱ ሽንትን ሰገራን ድሕሪ ምውድኦም ነዚ ፈትንዎ። ጽሩይን ንቑጽን ምእንቲ ክኾኑ ነቲ ጨርቂ ሽንቲ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኽገብርዎ ሓግዝዎም።
  • ብዛዕባ ሽንትን ሰገራን ብጭቡጥ መገዲ ተዘራረቡ።
  • ነቲ ሽቓቕ ንውሉድኩም ምቹው ከምዝኸውን ግበሩ፣ ብፍላይ ውሉድኩም ናይ ህዋሳት ጸገም እንተ ሃልይዎም። ንኣብነት፣ ውሉድኩም እቲ ኣብ ሽቓቕ ዝስማዕ ድምጺ ማይ ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ እንተረኺብዎ፣ ኣብ ሽቓቕ መከላኸሊ እዝኒ ክትጥቀሙ ፈትኑ።
  • ገሊኦም ቆልዑ ንሽታታት ሽቓቕ ተዓፋፊ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሽቓቕ ፔፐርሚንት፣ ላቬንደር ወይ ለሚናት ክትጥቀሙ ፈትኑ።
  • ኣብ ክንዲ መትሓዚ ቑልፊ ዘለዎ ስረ(ንኣብነት ጂንስ) ወይ ከኣ ናብ ሽቓቕ ክትከይድ ከለኻ ንምውጻእ ኣጸጋሚ ዝዀነ ጸቢብ ክዳን ብውሽጢ ዘለዎ ቐምሽ ንኽተውጽኦ ቐሊል ዝኾነ ክዳውንቲ (ንኣብነት ጆገር ወይ ለጊንግ) ተትኽደኑ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ! ገሊኦም ቆልዑ ጨርቂ ሽንቲ ምጥቃም ምስ ኣቋረጹ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሒደት መዓልትታት ካብ ሕቘኦም ንታሕቲ ብዘይ ክዳውንቲ ኺኸዱ እዮም ዝመርጹ።
Child celebrating on the potty

ጨርቂ ሽንቲ ደው ምባል

Section-Line_Green

ሓንሳእ ምስ ተዳለኹምን ምስ ተለማመድኩምን፣ ኣብ እዋን ቐትሪ ጨርቂ ሽንቲ ምጥቃም ከተቋርጹ ኣለኩም። ንስድራ ቤትኩም ዝምችው ግዜ ምረጹ፣ ህይወት ብተነጻጻሪ ህዱእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፣ ዓብዪ ለውጥታት ወይ ዕንቅፋታት አብዘለየሉ።

ውሉድኩም ንመዓናጡ ወይ ፊኛ ዚጸሉ ከም ድርቀት ወይ ረኽሲ ፊኛ ዝኣመሰለ ናይ ጥዕና ጸገማት እንተ ሃልይዎም፣ ነቲ ጨርቂ ሽንቲ ቅድሚ ምውጋድኩም ነዞም ጸገማት እዚኦም ፍትሑ።

1. እንታይ ይግበር ከምዘሎ ንውሉድኩም ንገርዎም 
ንጨርቂ ሽንቲ ይሰናበቱ ኸምዘለዉ ንገርዎም ከምኡውን ባዞ ወይ ሽቓቕ ምጥቃም እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ግለጹሎም።

2. ሕጂ ካብ ጨርቂ ሽንቲ ወጺኦም እዮም፣ ክኸዱ ከም ዘለዎም ዘርእዩ ምልክታት ተመልከቱ እሞ ናብቲ ባዞ ምርሕዎም፦ 

  • ይሸኑ ኸም ዘለዉ ወይ ከኣ ኪሸኑ ኸምዘድልዮም ይነግሩኹም።
  • ክጥልቅዩ ወይ ክረሳሑ ከለዉ ይፈልጡን ይነግሩን እዮም።
  • ምጭናቕ፣ ስቕ ምባል፣ ወይ ምጽዓር (ገጾም ምስሓብ ኽመስል ይኽእል እዩ)።

ምልክት ምስ ረኣኹም፣ ናብ ባዞ ወይ ሽቓቕ መርሕዎም እሞ ኽፍትኑ ድማ ኣተባብዕዎም። ንውሉድኩም ነቲ ባዞ ብተደጋጋሚ ኽጥቀሙሉ ዘድልዮም እንተዀይኑ ኻብ ምድፍፋዕ ወይ ምሕታት ተቆጠቡ። ኣወዳት ብፍላይ ባዞ ኽስልጥኑ ኸለዉ ኮፍ ኢሎም ክሸኑ ኣተባብዕዎም። ዝያዳ ፍዅስ ንኽብሎም ይሕግዞም፣ ከምኡውን ንሰገራ ኽቕመጡ እንተ ኣድልይዎም እውን ኽኸዱ የተባብዖም እዩ።

ውሉድኩም ሓሳብ ንሓሳብ አብ ምልውዋጥ ሓገዝ እንተኣድልይዎም፣ ናይ Makaton ምልክታት፣ ስእልታት ወይ ምስልታት ሽቓቕ ወዘተ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ውሉድኩም ባዞ ወይ ሽቓቕ ዝጥቀሙሉ ግዜ ኸምዝኣኸለ ንኽግንዘቡ ዝሕግዝ ሃደ ምረጹ።

Child playing with teddy by potty
Parent helping child to wash their hands

ብዙሕ ሙገሳን ምትብባዕን ሃቡ!
ንእሽቶ ይኹን ብዘየገድስ፣ ንነፍሲ ወከፍ ፈተነን ዓወትን ኣኽብርዎ። ንውሉድኩም ኣብ ባዞ ወይ ኣብ ሽቓቕ ኮፍ ኢሉ ስለ ዝነበረ አወድስዎ - ዝዀነ ይኹን ሽንቲ ወይ ሰገራ ተወሳኺ/ቦነስ እዩ!

4. ውሉድኩም ሓድሽ ክእለታት ንኽመሃሩ ሓግዝዎ
ንውሉድኩም ታሕተዋይ ክፋሎም ክጸርጉ፣ ሽቓቕ ክሓጽቡ፣ ኣእዳዎም ክሕጸቡ፣ ከምኡውን ናይ ገዛእ ርእሶም ስረ ክመርጹ አምህርዎም። እዚ ኸኣ ኣርሰ ምትእምማንን ናይ ምቍጽጻር ስምዒትን ንምሕናጽ ይሕግዝ። ቆልዑ ምቅባል ኣብ ዝጅምሩሉ እዋን ንገዛእ ርእሶም ክሓጽቡ/ኽጸርጉ ክኽእሉ አለዎም።

5. ቀጻልነት ይሃልወኩም
ሓንሳእ ውሉድኩም ኣብ ቐትሪ ስረ ኽጥቀሙ ምስጀመሩ፣ ቀጻልነት ዘለዎ ምዃን ውሉድኩም ቐልጢፎም ንኽመሃሩ ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ንሓደ ቆልዓ ንኣብነት ናብ ደገ ክወጽእ ከሎ ተመሊሱ ኽጥቀም እንተዀይኑ፣ እዚ ዘደናግር ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብሉጽ ምኽርታት

  • ካብ ጨርቂ ሽንቲ ናብ ስረ ምቕያር ዘይልሙድ ኰይኑ ኽስምዕ ይኽእል። ውሉድኩም እዚ ለውጢ እዚ በዳሂ ዀይኑ ኽስምኦም ዝኽእል ኰይኑ እንተተሰሚዑኩም፣ እተፈላለየ ቅርጽታት፣ ሕብሪታትን ዓለባን ኣማራጺታት ይሃልወኩም።
  • ውሉድኩም ንነዊሕ እዋን ኣብ ባዞ ኮፍ ክብል እንተኣጸጊሙዎም፣ ብሓባር መዝሙር ክትዝምሩ ወይ ሓጻር መጽሓፍ ከተንብቡ ፈትኑ። እቲ መዝሙር ወይ መጽሓፍ ክሳዕ ዝውዳእ ኣብቲ ባዞ ወይ ሽቓቕ ንኽጸንሑ ኣተባብዕዎም።
  • አብ ሓደጋታት ህድእ በሉ፦ ብሓባር ኣጽርዩ፣ ብዛዕባ ባዞ ወይ ሽቓቕ ብቀሊሉ ኣዘኻኽርዎም እሞ ንቕድሚት ቀጽሉ። ሓደጋ ኸጋጥሞም ከሎ ጫውጫውታ እንተዘይገይርኩም፣ ኣይክጭነቑን ኣይስንብዱን እዮም፣ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ድማ ዕዉታት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
  • ክትወጽኡ ከለኹም ድሉው ኩኑ፦ ኣብተን ናይ መጀመርታ እተወሰኑ መዓልትታት ኣብ ገዛኹም ኽትጸንሑ ትኽእሉ እንተኾይንኩም ቀሊል ኰይኑ ኽትረኽብዎ ትኽእሉ፣ ናብ ደገ ኽትከዱ ከለኹም ግና ብዙሕ ቅያሪ ዝኾኑ ክዳውንቲ ኽትማልኡ አለኩም። ናይ ጕዕዞ ባዞን ክሕጸብ ዝኽእል፣ ማይ ዝመጥጥ ኮፍ መበሊ ማኪና ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ግዜ ሃጺር ድቃስን ለይትን ካብ ጨርቂ ሽንቲ ናጻ ምዃን

Section-Line_Green

ውሉድኩም ኣብ ቀትሪ እዋን ጨርቂ ሽንቲ ምጥቃም ምስኣቋረጸ፣ ብዛዕባ ናይ ሃጺር ድቃስ ግዜታት ኽትሓስቡ ኣለኩም። ኣብ ግዜ ሃጺር ድቃስ ካብ ጨርቂ ሽንቲ ናጻ ምዃን ንውሉድኩም ለይቲ ንቑጽ ንክኸውን ንምድላው ይሕግዞ።

ቅድሚ ናይ ድቃስ ግዜን ካብ ድቃሶም ምስተበራበሩን ደጊምኩም ሽቓቕ ወይ ባዞ ንኽጥቀሙ ብምትብባዕ ጀምሩ። እቲ ጨርቂ ሽንቲ እንተወሓደ ሓሓሊፉ ንቑጽ ከም ዝዀነ ምስ ኣስተብሃልኩም፣ ኣብ እዋን ድቃስ ምሉእ ብምሉእ ምጥቃም ኣቋርጹ።

ለይቲ ንቑጽ ምዃን መብዛሕትኡ ግዜ ቈልዑ ኣብ መዓልቲ ባዞ ምጥቃም ምስ ስልጠኑ እዩ ዘጋጥም። መብዛሕትኦም ቈልዑ ኣብ 5 ዓመት ዕድሚኦም ለይቲ ንቑጽ ይኾኑ፣ ንገሊኦም ግን ዝነውሐ ግዜ ኽወስድ ይኽእል እዩ።

ንውሉድካ ብለይቲ ንቑጽ ንክኸውን ብዝስዕብ ሓግዞዎም፦

  1. ኣብ እዋን ድቃስ ሽቓቕ ወይ ባዞ ኸምዝጥቀሙ ኣረጋግጽ፣ ዋላ እውን ጨርቂ ሽንቲ ገይሮም ዝድቅሱ እንተኾነ።
  2. ቅድሚ ምድቃስ ሓደ ሰዓት ኣቐዲምኩም መስተታት ኣቋርጹ።
  3. ስሩዕ ናይ ድቃስ ልማድ ይሃልወኩም።
  4. ንውሉድኩም ኻብ ድቃስ ነቅኒቕኩም ናብ ሽቓቕ ካብ ምውሳድ ተቘጠቡ፣ ከመይሲ እዚ ኣብ እዋን ድቃስ ንኽሸኑ የተባብዖም እዩ።

ውሉድኩም 5 ዓመት ምስ ኰነ ለይቲ እንተዘይነቒጹ፣ ምስ ናይ ጥዕና በጻሒኹም፣ ምስ ኣላዪት ህጻናት ቤት ትምህርቲ ወይ ምስ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ተዘራረቡ።

Child wearing ear defenders celebrating potty training

ሓገዝ ንምርካብ ናበይ እየ ክኸይድ ዘለኒ?

Section-Line_Green

ካብ ኣላዪ ሕጻናት፣ ካብ መዋእለ ሕጻናት፣ ካብ ቅድመ ቤት ትምህርቲ ጕጅለ፣ ናይ ጥዕና በጻሕቲ ከምኡውን ካብ ማእከል ቆልዑ ወይ ካብ ማእከል ስድራቤት ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ምስ ናይ ጥዕና ምብጻሕ ጕጅለኹም ኣብ እትገብርዎ ዝዀነ ይኹን ዝርርብ ብዛዕባ ናይ ባዞ ስልጠና ኽትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ጥዕና በጻሒኹም ኣብቲ ናይ 9-12 ወርሒ ናይ ውሉድኩም ገምጋም ጥዕና ብዛዕባ ስልጠና ባዞ ክዛረብ ክትጽበዩ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዙሕ ናይ ክኢላታት ምኽሪ ክርከብ ይከኣል እዩ፣ እንተላይ ንስድራቤታት SEND ዘለዎም ቆልዑ።

ሓበሬታን መምርሕን ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ... ካብ ሰብ ሞያ ጥዕና ERIC፣ ናይ ቆልዑ መዓናጡን ፊኛን ግብረ ሰናይ ንዝርከቡ ዝርዝር ጠቓሚ መራኸቢታት፣ ምንጪታትን ምኽርታትን ንምርካብ ንናትና Useful Links ገጽ ብጽሑ።